Learning Tigrigna Alphabets (Arki Temharay)
Description
ዓርኪ ተማሃራይ፥ ናይ ትግርኛ መምሃሪ ንህጻናት ደቅና ኢለ ዘዳለኹዋ ሎሚ ይዝርግሓ ኣለኹ። እንዳተዛናግዑ መታን ክመሃሩ ብኣኒመሽን ዝተሰነየት እያ። ኣብ ትሕቲ ናይቲ ትግርኛ ፊደላት ናይ ኢንግሊሽ ፊደላት ተጠቒመ ኣለኹ እዚ ከኣ ኣብ ኪቦርድ ናይ ኮምፒተር ክጽሕፉ እንተደልዮም መታን ክጥቀምሉ ብምባል እዩ። ኣብ መንጎ ነዚ ቪድዮ ጠጠው እንዳበሉ ክለማመዱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ክብድ ዝበሉን ብዙሕ ኣይንጥቀመሎምን ኢና ኢለ ዝሓሰብኩዎም ፊደላት ኣብዚ ኣየእተኽዎምን። ካብ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ጽሒፈዮ ዘለኹ ሊንክ ኣብ ናተይ ዩቱብ ቻነል ኣቲኹም ብነጻ ከተውርድዎ (ዳውንሎድ) ክትገብሩዎ ትኽእሉ ኢኹም። 2020 ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ዝዓርፈሉ እዋን ክኾነሉ እንዳተመነኹ ኩላትና በብዘለናዮ ዓቕሚ ንህዝብና ንሓግዝ!!! ነዚ ስራሕ ምስ ዘለኒ ካልእ ጻዕቂ ስራሕ ኣጀሚሩ ዘወዳኣኒ ኣምላኽ ልዑል ምስጋና ይኹኖ። 2020 ህዝብና ዝዓርፈሉ፥ ዝቐስነሉ፥ ራህዋ ዝረኽበሉ ዓመት ይኹነልና።
Arki Temharay: I am posting this Tigrigna alphabets learning for kids on my youtube channel and facebook so that our children who are all over the world can learn from it. I have included English letters underneath the Tigrigna alphabets as it can help to write when using computer keyboard. I have excluded some Tigrigna Alphabets which I think are not very common. I thank Almighty God in the highest for enabling me to finish this project taking in to consideration the tight schedule I have.
Post your comment
