MassawaTube.com
Welcome
Login / Register

ማህደር ታሪክ

  • ምድረ ባሕሪ፡ ሕቶ ሉኣላውነት (950 – 1889)

    መዘክር ኣባሓጎይ

    ምድረ ባሕሪ ርእሳ ዝኸኣለት፡ ናይ ባዕላ ቆጽሊ ዝተነብረሎም ባሕረ ነገስቲ ዝነበርዋ ዴሳዊት ሉኣላዊት ግዝኣት መጸውዒ ስም ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ምድረ ባሕሪ ሉኣላዊት ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ተባሂላ ትፍለጥ። ታሪኽ ምድረ ባሕሪ እንተተኻኢሉ ክስተር እንተዘይኮይኑ ተሓማቲሉ ክዝንተው ከምዝድለይን ብግሁድ ከምዝስርሓሉን ዘይፍለጥ ኣይኮነን። ስለምንታይ ክስተር ወይ ተጠማዚዙ ክንገር ይድለ ዝብል ሕቶ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ብምትኳር፡ ኣመጻጽኣን ኣመሰራርታን ሉኣላዊ ሕብረተሰብ ምድረ ባሕሪ ብዓይኒ ታሪኽን ፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማን እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ምድህሳስ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምክንያቱ ዝቐርቡ ገመጋማት ኣብ ውዱዕ መደምደምታ ንምብጻሕ ስለዝሕግዙ።

    ምንቁልቋል ንግስነት ኣኽሱም

    ቅድሚ 950 ዓመተ ምህረት ምድረ ባሕሪ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ከምዝነበረ ቅርስታት ታሪክ የረጋግጾ። ንግስነት ኣኽሱም ብናይ ሎሚ ኤርትራን ክፋል ትግራይን ዝተደኮነ ዓርሞሸሽ ስልጣነ ምንባሩ ዘከራኽር ከምዘይኮነ ይፍለጥ። እንተኾነ ኤርትራን ትግራይን በብወገነን ከከምዝጥዕመን ንሓለፋታት ታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ካብ ምምልኻዕ ዓዲ ኣይወዓላን። ብፍላይ ትግራይ ምስቲ ከተማ ኣኽሱም፡ መቓምጦ ንግስነት ኣኽሱም ነበር፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ስለእትርከብ፡ ታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ብምዝንባዕ ዝያዳ ናብ ትግራይ እንዳ ኣዛዘኻ ናይ ምስናድ ከይዲ ከምዝጸንሐ ምስጢር ኣይኮነን። ቀንዲ ምክንያት መበገሲ ናይ’ዚ ምዝንባዕ ታሪኽ፡ ድሕሪ ምድኻም ንግስነት ኣኽሱም፡ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ዝነበረ ክፋል ትግራይ ብጽልዋን፡ ጎነጽ ዝተሓወሶ ኣደራዕን፡ ንደቡብ፡ ማለት ኣቢሲኒያ ገጾም ስለዝጠመቱ ከምዝኾነ ይንገር። ዝያዳ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ምዝካር ግን የድሊ። ንሕጂ ሓጺር ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብዛዕባ ምድኻምን ምፍራስን ንግስነት ኣኽሱም ጠቂሰ ክሓልፍ።

    ከምዝፍለጥ ንግስነት ኣኽሱም ምስ ምስፍሕፋሕ እስልምና ካብ 7ይ ክፍለ ዘመን እንዳተዳኸመ ስለዝመጸ፡ ካብ 950 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ብሰንኪ ዘጋጥሞ ዝተፈላለዩ ወራራትን ዝሰዓበ ስዕረትን፡ ካብ ባሕሪ ርሒቑ ብድኽነት ኣብ ከበሳታት ምድረ ባሕርን ትግራይን ተደሪቱ ክነብር’ዪ ተገዲዱ። ግብጻውያን ብሸነኽ ሳሕልን ብገማግም ባሕርን ክወሩዎ ከለዉ ኣቢሲናውያን ብሸነኽ ደቡብ ወሪሮም፡ ንንግስነት ኣኽሱም ቀርቂሮም ብጎረርኡ ሒዞም ከምዘሳቐይዎ ዘይርሳዕ ታሪኽ ሙዃኑ ምዝካር የድሊ። ብደቡብን ብኣፍደገ ባሕርን ዝውሕዝ ዝነበረ ወራርት ትንፋስ ከይሃቦም ንኣስታት 200 ዓመታት፡ ክሳብ መፋርቕ 10ይ ክፍለ ዘመን፡ ማለት ክሳብ 1150ታት ስለዝቐጸለ ንግስነት ኣኽሱም ብድኽነት ተሓሰየ። ከም ሳዕቤን ንግስነት ኣኽሱም ኣይጸንሐን ናብ ክልተ ተገምዐ። እዚ ምግማዕ ብልክዕ መዓስ ዓመተ ምህረት ከምዝነበረ ዝተመሳኸረ ስኑድ ታሪኽ ዛጊት ክርከብ ኣይተኻእልን። ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ መፋርቕ 10ይ ክፍለ ዘመን ማለት ኣብ ከባቢ 1150ታት፡ ምስ ምምስራት ኣቢሲንያ ብሃጸያት ኣገው፡ ከምዝጀመረ ኣብ ብዙሓት መጻሓፍቲ ታሪኽ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ተመላኺዑን ተጸባቢቑን ስለዝቐርብ፡ ከም ታሪኻዊ ክውንነት ተጎስዩ ክሕለፍ እዩ ዝፍተን። ብስቱር ንመስፍናዊት ኣቢሲንያ ከም መቐጸልታ ንግስነት ኣኽሱም ጌርካ ናይ ምዝንታው ኣጋውል እውን ዘይፍተን ኣይኮነን።

    ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ዝነበረ ክፋል ትግራይ ካብ ድኽነት ንምውጻእን፡ ዘየቋርጽ ረጽሚ ስለዘሰልከዮን ብጽልዋ ኣቢሲናውያን ተሳሒቡን፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 10ይ ክፍለ ዘመን ብፍታዎም ምስ ሃጸያት ኣገው ተጸንቢሩ ሓድሽ ላሊበላ ዝብሃል ስልጣነ ደኲኑ። ተጋሩ ምስ ሃጸይነት ኣገው ኣብ ዝተጸንበሩሉ እዋን ፡ ኣብ ንግስነት ኣክሱም ከለዉ ዝወነንዎ ስልጡን ባህሊ ሒዞም ስለዝኸዱ፡ ኣብ ምድዃን ላሊበላ ዝዓዘዘ ግደ ከምዝነበሮም ዘርእይ ብዙሕ ቅርስታት ምህላው ምምስኻር ዘየድልዮ ታሪኻዊ ሓቂ ሙዃኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ከውሒ ዝተወቕረ ቤተ መቕደስ ላሊበላ ሓደ ካብ ትንግርቲታት ዘመናዊት ኢትዮጵያ ክጥቐስ ይከኣል። ካልእ ዝዓበየ ባህሊ ተጋሩ ንኣቢሲናውያን ዘውረስዎም፡ ሎሚ ኣምሓሩ ከምናቶም ምህዞ ዝንየቱሉ፡ ፊደላት ግእዝ ምዃኑ ይፍለጥ። ብሰንኪ’ዚ ግርንቢጥ ምጽንባር ትግራይን ሃጸያት ኣገውን፡ ብዋንነት ፊደላት ግእዝ ምውጣጥ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ይሰማምዑ። እዚ ታሪኻዊ በሰላ ብቐሊሉ ዝሓውይ ከምዘይኮነን፡ ናይ ወለዶታት ሕቶ ኮይኑ ከምዝጸንሕን ኣየጠራጥርን።

    ዝተረፈን ዝገዘፈን ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ተገሚዑ ካብ መንቀራቅሮ ከይወጸ ምድረ ባሕሪ ዝብል ስም ተጠሚቁ ሉኣላውነቱን ነጻነቱን ሓልዩ ንዘመናት ከምዝተሳለየ ስኑድ ታሪኽ ሕጊ እንዳባን፡ ተረፍ ራስያ ብራናታት ገዳማትን ምውካስ እኹል እመስለኒ። ብሰንኪ ኣብያ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ምጽንባር ምስ ሃጸያት ኣገው፡ ግዳይ ራስያን ወራርን ሃጸያት ኣገውን ዝሰዓቡ ሃጸያትን መሳፍንትን ኣቢሲንያ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ዘካትዕ ኣኮነን። ምናልባሽ ነዚ ታሪኻዊ ኣበሳ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ክቕበልዎ ኣዝዮም ከምዝሽገሩ ሙግት ዘድልዮ ኣይኮነን። ራሳይን ተራሳይን፡ ጎባጥን ተጎባጥን ዝብሃል ታሪኽ ከምዘይነብረ ጌርካ ምዝንታው ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን መዐቀኒ ሊቅነት ካብ ዝቑጸር ሓያለይ እዋን ሓሊፉ ኣሎ። ምጽብባቑ ኣይምተጸልአን፡ ከምዘይነበረ ክተምስል ምፍታን ግን መርኣያ ታሪኻዊ ሕንከት ጥራይ እዩ ዝቑጸር።

    ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ዝስዓቦ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ህልው ታሪኽ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ ስለዝኾነ ኣብ ዝርዝር ምእታው ኣየድልን። መስርሕ ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ከባቢ 200 ዓመት ከምዝወሰደ ይዝንቶ። ከም መስርሕ ዘይሕከኽ በሰላ ስለዝገደፈ፡ ብሊቃውንቲ ታሪኽ ጸሊም ዘመን ተባሂሉ ይጥቀስ። ጸሊም ዘበን ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ 1000 – 1200 ዓመተ ምህረት ይምጠጥ። ስለምንታይ መግማዕቲ፧ ስለምታይ ንግስነት ኣኽሱም ከምዘለዎ ምስ ሃጸያት ኣገው ዘይተጸንበረ፧ ዶብ መግማዕቲ ብኸምይ ረጊኡ፧ ዝብልን ካልእ ሕቶታትን ብዕምቆት ዘይተፈተሸ ሓድጊ ታሪኽ ስለዝኾነን ደፋእ ኢልካ ክርአ ስለዝግባእን፤ ንሕጂ ኣብ'ቲ ዝነበረ መግማዕትን ሳዕቤናቱን ጥራይ ብምትዃር አብ ሕቶ ሉኣላውነት ምድረ ባሕሪ ኣብ ውዱዕ መደምደምታ ምብጻሕ ዘጽግም ኣይኮነን።

    ከምውጽኢት ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ክልተ በበይኑ ማሕበረሰብ ተፈጢሩ። ሓደ ግማዕ ንግስነት ኣኽሱም፡ መጀመርያ ብሃጸይነት ኣገው፡ ቀጺሉ ብኣቢሲንያ፡ ድሒሩ ብኢትዮጵያ ዝፍለጥ መስፍናዊ ማሕበረሰብ ፈጢሩ። ሎሚ ብትግራይ ዝልለ ከባቢ ከምውሁድን ዓብላልን ኣካል ናይ’እዚ ዝተጠቐሰ መስፍናዊ ማሕበረሰብ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ብዝተጣቐሱ መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝተሰነደ ዘካትዕ ኣይኮነን። ገና መስርሑ ዘይወድአ ዘመናዊ ታሪኽ ትግራይ ምዕዛብ እውን ህያው መርትዖ እመስለኒ። ከምተወሳኺ ኣብነት ዝበዝሕ ኣስማት ሃጸያት ኣቢሲንያ ክርስትያናዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ኣየጠራጥጥርን። ክርስትና ናብ ኣቢሲንያ ዘተኣታተወን ዘስረጸን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ዘይክሓድ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ብዘይ ናይ ሎሚ ትግራይን ላሊበላን ታሪኽ ኣቢሲንያ ዝብሃል ክህሉ ስለዘይክእል። እዚ ኸኣ'ዩ ንኣቢሲንያ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ከም ሉኣላዊ ሕብረተሰብ ዘቐጸለ።

    ካልኣይ ግማዕ ንግስነት ኣኽሱም፡ መጀምርያ ብምድረ ባሕሪ ድሒሩ ብኤርትራ ዝፍለጥ ዴሳዊ ማሕበረሰብ ፈጢሩ። ምድረ ባሕሪ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ገለ ክፋል መሬቱን ገማግም ባሕሩን ብገዛእቲ፡ መጀመርያ ብግብጻውያን ድሒሩ ብቱርካውያን ተወሪሩ ከምዝነበረ ኣሰራት ታሪኽ ስለዘረጋገጾ ዘከራኽር ኣይኮነን፡፡ ካብዚ እዋን እዚ ጀሚሩ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ኣብ ጎቦታት ከበሳ ሰፊሩ ብወራራትን ድክነትን እንዳተግርፈ፡ ክሳብ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን ሉኣላውነቱ ኣኽቢሩ ከምዝጸንሐ ዝተሰነደ ታሪኽ ስለዝኮነ ዘካትዕ ኣይኮነን። ናይ 1878 ውግእ ኣስመራ ኣንጻር ኣቢሲንያ ምእንቲ ሉኣላውነት ዝተገብረ ምውዳቕ ምዝካር ጥራይ እኹል እመስለኒ። ምድረ ባሕሪ ሉኣላዊ ግዝኣት ከምዝነበረ ክቕበሉ ዘሸግሮም ኢትዮጵያውን ተመራመርትን ጸሓፍትን ሓያለይ ከምዝኮኑ ምዝካር የድሊ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ኸኣ፡ ምድረ ባሕሪ ኣካል ኣቢሲንያ ከምዝነበረ ጌርካ ካብ ናይ ምዑብላኽ ጥሙሕ ዝብገስ ስለዝኾነ ዕሽሽ ክበሃል ኣይግባእን።

    ታሪኻዊ ሓቂ እንዳተባህለ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ተረኽትን ጸሓፍትን ዝግበር ጎስጓስ፡ ቀንዲ ሙርኩስ ጌሮም ከመሳኽርዎ ዝፍትኑ፡ ዝበዝሕ 200 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ታሪኻዊ ክውንነታት ጥራይ ሙዃኑ ብዙሕ መረዳእታት ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ተረኽትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ማሕበረሰባዊ ኣቃውማ ምድረ ባሕሪ ዝጠቅስ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ኣቅሪቦም ሞጊቶም ኣይፈልጡን። ብኣንጻሩ ኤርትርውያን ተረኽትን ጸሓፍትን፡ ብጀካ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ዘቐርብዎም ትርር ዝበሉ መከራኸሪ መዘክራት፡ በዳህቲ ትንተናታት ከቕርቡ ኣይርኣዩን። ኤርትርውያን ኣብ ከምዚ ዘውደቖም ብዙሕ ምኽንያታት ክጥቀስ ይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ንግዚኡ ሰለስተ ክጠቅስ ክፍትን እየ።

    ቀዳማይ ምክንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ህሞት ስለዝጸንሐ፡ ምዝንታውን ምስናድን ታሪኹ ብጸኒሕ ብምሓዙ ክኸውን ይኽእል። ካልኣይን ብቀንዱን ክጥቀስ ዝክኣል ምኽንያት፡ ብሰንኪ ወራራትን መግዛእትን ዝሰዓበ ብርሰት እዩ። ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ንኣስታት 900 ዓመታት ካብቲ ቀንዲ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ባሕሪ፡ መጀመርያ ብግብጻውያን ድሒሩ ብቱርካውያን ተደፊኡ ኣብ ጎቦታት ከበሳ ክሰፍር ስለዝተገደደ ዝነበሮ መገለጺ ታሪኹ ዝኾነ ሰነዳት ካብ ከባቢታት ደብረቢዘን፡ ደብረሲናን ሳሕልን ምርሳዩን፤ ዝበዝሕ ሰነዳቱ ክርስትያናዊ ብምንባሩን ብወረርቲ ኣስላም ብምቅጻሉን መመሳኸሪ ስኢኑ ንነዊሕ እዋናት ክዉን ታሪኹ ከዘንቱ ስለዘይከኣለ ክኽውን ይኽእል።

    እቲ ሳልሳይን መወዳእታን ምኽንያት፡ ምስ ስነልቦና ኤርትራውያን ዝተኣሳሰር እዩ። ንሱ ኸኣ ኤርትራውያን ታሪኾምን ታሪኽ ኣባሓጎታቶምን ብግሪ ስለዝፈልጥዎ፡ ዝኮነ ይኹን ታሪኽ ክልጥፈሎም ዝፍትን ናይ ደገ ሓይሊ ተቐቢሎም ኣይፈልጡን። ብዛዕብኦም ስለዝተዘንተወን ዝተጻሕፈን ከፊኡዎም ኣብ ናይ ጽሑፍ ይኹን ቃላት ንትርኽ ዝኣትዉ ዘይሙዃኖም ብዙሕ መረዳእታታት ኣሎ። በብእዋኑ ዝነበሩ ጎበጥቲ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ጎበጥኦም ንምንዋሕ ብዝጥዕሞም መንገዲ ንታሪኽ ምድረ ባሕሪ ክገልጽዎ ጸኒሖም እዮም፡፡ ገና ክገልጽዎ ይፍትኑ ከምዘለዉን ዝስሓት ኣይኮነን።

    ኣዕኑድ ስርዓተ ክብርታት

    ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱምን ሉኣላውነት ምድረ ባሕሪን ዘየማጉት ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኻዊ ፍጻመ ከምዝኾነ ብዝተጣቐሱ ምርትዖታት ሪኢና ኣለና። ብምቕጻል ፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማ ምድረ ባሕሪ ብመንጽር ኣቢሲንያ እንታይ ከምዝመስል ዝነበረ ክንግምግም ኢና። ማህበረሰባዊ ኣቃውማ ኣህዛብ ኣብ ኣዕኑድ ስርዓተ ክብርታቶም እዪ ዝምርኮስ። ኣዕኑድ መቆምያታት ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰባት ኣብ ክልተ ይጠቃለሉ። እቲ ቀዳማይ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ እዩ።

    ምስ እምነት ዝተኣሳሰር ዓንዲ ስርዓተ ክብሪ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፡ ሕጊ ሙሴ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ምስ እምነት ተዋህዶ ዝሰጠመ ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ እዩ። ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ውርሻታት ስልጣነ ንግስነት ኣኽሱም ኮይኑ ንኣነባብራ፡ ኣመጋግባ፡ ኣከዳድና፡ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ኣኽብሮት፡ ትሕትና፡ ሓልዮት፡ ምእዝዙነት፡ ቤተሰባውን ማሕበራውን ፍቕሪ፡ ትብዓት ወዘተ ዝኣመሰሉ ክብርታት ኣብ ሕብረተሰብ ዘስርጽ ስርዓት እዩ። ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ ንምድረ ባሕርን ኣቢሲንያን ብማዕረ ዝብጽሖም ውርሻ ንግስነት ኣኽሱም ሙዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ’ውን ተወሳኺ ሳዕቤን ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ከምዝኮነ ምዝካር የድሊ። እምነት መሰረት ዝገበረ መቖምያ ስርዓተ ክብርታት ናይ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ተመሳሳሊ ብሙዃኑ ጥራይ፡ ኣቢሲናውያን ንሉኣላውነት ምድረ ባሕሪ ንዘይምቕባል መሸፋፈኒ ክጥቀሙሉ ከምዝጸንሑ ዘርኢ ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። ዘይሓልፈላ ተመዛዚት ‘ሓደ ኢና’ ትብል ሓረግ ከምኣብነት ምጥቀስ ይከኣል።

    ምስ ሕጊ ዝተኣሳሰር ዓንዲ ስርዓተ ክብሪ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፡ ኣካል ‘ሕጊ እንዳባ’ ኮይኑ: እቲ እንኮ ካብ ካልኦት ማሕበረሰባት ዝፈልዮ ዓንዲ ሙዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። ሕጊ እንዳባ ግዜ ዘይልውጦ፡ ምግለጺ መንነትን፡ መሰረት ህላወን መጻእን ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዓንዲ ሕቖ ስርዓተ ክብርታት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ስለዝነበረ እዩ። ሕጊ እንዳባ፡ ንህዝቢ ምንጪ እቶት ከም መሬት፡ መንበሪን ካልኦት መሰላትን ብማዕረ ዘመቓርሕ፣ ጭቃ ዓድን ባሕረ ነግስትን ብድምጺ ብልጫ ቆጽሊ ናይ ምንባር ስልጣን ዝህብ፣ ኣረገውትን ጽጉማትን ናይ ምጥዋር ሓልፍነት ዘሰክም፣ ሕግን ስርዓትን ዘንግስ ዓንዲ ሕቖ ስርዓተ ክብሪ ምድረ ባሕሪ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብርትዕን ስርዓትን ዝመሓደር ከምዚ ዓይነት ኣቃውማ ዝውንን ማሕበረሰብ ‘ዴሳዊ’ ተባሂሉ ይግለጽ።

    ዴሳውን ማሕበርነታውን ዓይነታት ማሕበረሰባት ብዙሕ ግዜ ምድንጋር ስለዝፈጥሩ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቃውማ ማሕበረሰባት ከምዝኮኑ ብኣብነት ምብርሁ ሓጋዚ እመስለኒ። ንኣብነት ዴስነት ንህዝቢ ማዕረ ዕድል ዝህብ፡ ርትዓዊ ምምቕራሕ ምንጪ እቶት ዘውሕስ፣ ውልቃዊ ሃብቲ ምኽዕባትን ምውናንን ዘተባብዕ፣ ዊንታ ውልቀሰባት ዘኽብር ዓይነት ማሕበረሰብ ክኸውን ከሎ። ብኣንጻሩ ማሕበርነት ንህዝቢ ማዕረ ዕድል ዘይህብ፣ ምንጪ እቶት ናይ ሓባር ዝገብር፣ ውልቃዊ ሃብቲ ምኽዕባትን ምውናን ዘየፍቕድ፣ ዊንታ ውልቀ ሰባት ዘየኽብር ዓይነት ማሕበረስብ እዩ።

    ማሕበረሰብ ምድረ ባሕሪ ዴሳዊ ከምዝነበረ ዘከራክር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕጊ እንዳባ ምድረ ባሕሪ ከምዘለዎ ሕጊ እንዳባ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ስለዘሎ። ብተመሳሳሊ ማህበረሰብ ኣቢሲንያ መስፍናዊ ከምዝነበረ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምክንያቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 1974 ዓመተ ምህረት፡ ሰውራ ኣልዒሉ፡ መስፍናውነት ደምሲሱ ወናኒ መሬት ክኸውን ዝኽኣለ። ቅድሚ ሰውራ ምልዓሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሳፍንትን መሻርክቶም ሃጸያትን ጊላ ኮይኑ እዩ ዝነብር ኒሩ። ክምዝፍለጥ መስፍናውነት ርትዕን ልዕልና ሕጊ ዝዕምጽጽን ንህዝቢ ኣብ መሬቱ ጊላ ዝገብርን ዓይነት ማሕበረሰብ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ማሕበረሰብ ህዝቢ ዝውንኖ ምንጪ እቶት ዝብሃል ኣይህልዎን፣ ንመራሕቱ ቆጽሊ ምውዳቕ ኣይምልከቶን፣ ህላዊኡ ከይተረፋ ኣብ ኢድ እቶም መሳፍንቲ እዩ ዝወድቕ።

    ስለዚ ብዓይኒ ፍልስፍና ኣቃውማ ማህበረሰባት፡ ዴሳዊት ምድረ ባሕርን መስፍናዊት ኣቢሲንያን ክልተ ዝተፈላለያ ሉኣላውያን ግዝኣታት ከምዝነበራ ምግንዛብ ዘሸግር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ክልተ መራኸቢ ዘይብሉ ማሕበረሰብኣዊ ስርዓታት ብውህደት ከም ሓደ ግዝኣት ንኽንድኡ ዝኣክል እዋናት ከቐጽሎ ዘኽእል ስነ ፍልጠታዊ ባይታ ኣይኮነን መሳጢ ልብ ወለዳዊ ዛንታ ክተቕርበሉ ስለዘጸግም።። ክብሃል ስለዝጸንሐ ጥራይ፡ ምድረ ባሕሪ ኣካል ኣቢሲንያ ከምዝነበረት ጌርካ ምዝራብን፡ ንዘይነበረ ከምዝነበረ ክትቅይር ምፍታንን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወድዓውነት ምቕባል፣ ልቦና ምዕባይን ኣርሒቕካ ምጥማትን ከድሊ'ዩ። ከምዚ ምግባር ማላት ሓባራዊ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ምቕዳም ማለት ስለዝኾነ።

    ብኹሉ መለኪዒታት ኣብ’ቲ ውሽጢ 900 ዓመታት ዝነበሩ ፍሩያት ታሪኻዊ ፍጻሜታት ከም ሕጊ ምንጋስን ዴሳዊ ማሕበረሰብ ምምስራትን ዘረድእዎ ክውንነት እንተሃልዩ፡ ምድረ ባሕሪ ሉኣላዊ ግዝኣት ከምዝነበረ ጥራይ እዩ። ብታሪኽን ብፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማን ምድረ ባሕሪ ሉኣላዊ ግዝኣት ኣይነበረን ምባል ማለት ታሪኽ ንግስነት ኣክሱምን ኣቢሲንያን ኣይነበረን ማለት ስለዝኾነ፡ ብልዝብ ንዝነበረ ታሪኽ ከም’ቲዝነበሮ ንኽዝንቶ ዘኽእል ባይታ ንኽጣጣሕ ብጽምዶ ምጽዓት ይምከር።

    መስፍን ገብረገርጊስ

    Read more »
  • እምባ ደብረ ቢዘን

    ልዕሊ 600 ዓመት ዕድመ ዝገበረ መስተንክራዊ ገዳም እዩ። ብዘይካ እተን ኣዋዲ ዘይብለን ኣዕዋፍ ሰማይን ምንጪ እንቋቚሖ ዝኾና ደራውህን፡ ኣንስተይቲ ፍጥረት ክትኣትዎ ዘየፍቅድ መምርሒ ኣለዎ። ብእግሪ እንተዘይኮይኑ ብዝኾነ ናይ መጐዓዝያ ኣገልግሎት ክትድይቦ ዝክኣል ኣይኮነን።
    ካብ ከተማ ኣስመራ ንሸነኽ ምብራቕ - 25 ኪ.ሜ. ዝዝርጋሕ ጥውይዋይ ቁልቁለት ሃቲፍካ፡ ሓውሲ ከተማ ነፋሲት ትኣቱ። ካብ ነፋሲት ናብ’ቲ ገዳም ንኽትበጽሕ ክንዲ እቲ ብመኪና ዝተነቘትካዮ ቁልቁል ዝገማገም ብራኸ ብእግሪ ምሕኳር የድልየካ።
    ብድሮ ናይቲ ዓመት-ዓመት ኣብ 11 ነሓሰ (5 ነሓሰ ብግእዝ) ዝንገድ ብዓል ዝግበር ናይ ውራይ ምሽብሻብን ኣብ ወጋሕታ ናይቲ ንግደት ዝካየድ ጽምብል ክሓልፈካ ዘይትደሊ እንተኾይንካ፡ ብድሮኡ ተበጊስካ ኣብቲ ገዳም ክትርከብ ከድልየካ እዩ። ንግሆ ጋሕጋሕ ምድሪ ካብ ኣስመራ ነቒልካ እውን ንምሸቱ ንቦታኻ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ።
    እምባ ደብረ ቢዘን
    ብራኸ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ 2,450 ሜትሮ
    ብራኸ ካብ ነፋሲት 825 ሜትሮ
    ርሕቀት ካብ ኣስመራ 25 ኪ.ሜ.
    ርሕቀት ካብ ነፋሲት (ብንውሓት) 6-7 ኪ.ሜ.
    ዕድመ 657 ዓመት (1361 ድ.ል.ክ. ተመስሪቱ)
    ብዝሒ ህዝቢ 80-120 ፈለስቲ
    ዓመታዊ ንግደት ብግሪጎርያን፡ ነሓሰ 11 (ብግእዝ፡ 5 ነሓሰ)

    ኣብ ኣስመራ፡ ከባቢ ብሎኮ ባጽዕ ዝርከቡ መካነ-መቓብር እንግሊዝን ህንዲን መካነ- እንስሳ ቤት-ገርግሽን ሓሊፍካ ናብ ምጽዋዕ ዝወስድ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ እናተርበዐ ዝግስግስ ጥውይዋይ ቁልቁል ምስ ሓዝካ፡ ትርኢታዊ ቅርጺ-መሬትን ግሩም ደረት- ትርኢትን ጎፍ ክብለካ እዩ። ሳሕቲ፡ ጫፋት ናይዞም ኩርባታት ብጽዑቕ ደበናታት ይኽወሉ እዮም።
    ካብ ኣስመራ ውሑድ ኪሎ-ሜተራት ምስ ተጐዓዝካ፡ ባር ድርፎ ዝርከበሉ ንኸተዕርፈሉ ዝማርኽ ከባቢ ኣሎ። መሳጢ ትርኢት ቅርጺ-መሬት ናይቲ ከባቢ ኣብኡ ኮይንካ ኢኻ እተስተማቕሮ። ገለ ቆራጻት ኣጓብዝ ነጋድያን ካብ ኣስመራ ናብቲ ገዳም ብእግሮም ክምርሹ ምስ ርኣኻ ሞራል ክትገብር ትቕሰብ።
    ትርጉም መጸውዒ ስም ዓርበ-ሮቡዕ ምስቲ መዓልቦኻ ጌርካ እትኸዶ ዘለኻ ደብሪ ዝተታሓሓዘ እዩ። ከምቲ ብኣፈ-ታሪኽ ዝዝንቶ ኣብቲ ቀደም እዋን ኣብ ደብረ ቢዘን ካብ ዝነበሩ ፈለስቲ መገሻኦም ወዲኦም ምስ ተመልሱ፡ ብኣቡነ ፍሊጶስ “ሮቡዕ ደኣ ኣበይ ኔርኩም?” ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ናብዛ ሕጂ ዓርበ-ሮቡዕ እትብሃል ዘላ ዓዲ እናመልከቱ “ሮቡዕ ስለ ዝዓረበና፡ ኣብታ ጤረር ሓዲርና” ብምባል መሊሶሙሎም ይብሃል። ካብቲ እዋን ጀሚራ ድማ ዓርበ- ሮቡዕ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።
    ኣብ ከባቢ ሰይድቺ (ብቋንቋ ጥልያን 16 ማለት እዩ) ምስ በጻሕካ፡ ናብ ‘ጎቦ ኣባ-ጋምዛይ’ ክትጉዝጎዝ ኢኻ። እዚ ጎቦ’ዚ፡ ቀደም እዋን ኣባ-ጋምዛይ ዝብሃሉ ፈላሲ ይሰፍርዎ ስለ ዝነበሩ ብስሞም ክጽዋዕ ከም ዝኸኣለ ኣፈ ታሪኽ ይሕብር። ጎቦ ኣባ-ጋምዛይ ብዝሒ ዘለዎም ኣህባይን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኣናብርን ይርከብዎ። ኣብ 1978 ህዝባዊ ግንባር ዳርጋ ንዝበዝሐ ክፋላት ኤርትራ ተቘጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ግንባር ሰይድቺ ካብቶም ቀንዲ ናብ ኣስመራ ዝቐረቡ ድፋዑ ምንባሩ ታሪኽ ይሕብረና።
    ኣብ ሰይድቺ ኴንካ፡ ብማዕዶ ዝረኣየካ እምባ፡ ገዳም ደብረ-ቢዘን እዩ። ናብዚ ብኣቡነ ፊሊጶስ ዝተመስረተ ደብሪ ቅድሚ ምሕኳርካ፡ ናብታ ኣብ መንጎኹም ኣብ ዘለዉ ጎቦታት ተሸጒጣ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ክትወርድ ከድልየካ እዩ። ሓውሲ ከተማ ነፋሲት፡ ሰለስተ ብሄራት ማለት ትግርኛ፡ ሳሆን ትግረን ይሰፍሩዋ። ብተወሳኺ፡ ነፋሲት ካብ ዝኾነ ከባቢ ዝፈልያ ምሩጽ ዝጽረብ ኣእማን እውን ይርከባ።
    ኣብ እዋን ምሕኳር፡ ወቕዒ ጸሓይ ከየጥቀዓካ ትሰግእ እንተዄንካ፡ ካብ ነፋሲት ወይ ኣስመራ ብዙሕ ማይ ምምላእ የድልየካ። ብግዜን ጉልበትን ዋጋ ንኽትከፍል እውን ድሉው ኩን። ሓያለ ኣንፈትካ ዘስሕቱ ዝተቘራረጹ መገዲ ኣጋር እውን ከጓንፉኻ ስለ ዝኽእሉ፡ መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከም ዝብሃል፡ ምስቲ ቦታ ሌላ ዘለዎ መካይድቲ ከተናዲ ተመራጺ እዩ። ክትሓኩር ከለኻ፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ ካብ ርሑቕ ቦታ እትሰምዖ ድምጺ መካይን ካብ ጥቓኻ እትሰምዖ ድምጺ ኣህባይን ካልኦት እንስሳታትን እንተሰማዕካ እውን ኣይትሻቐል። “ደቂ-ኣንስትዮ ክኣትዋ ኣይፍቀድን እዩ” ዝተጻሕፎ ታቤላ ምስ በጻሕካ፡ እታ ልክዕ መገዲ ሒዝካያ ከምዘሎኻ ዘረጋግጽ እዩ።
    ድሕሪ ናይ ኣስታት ሰዓትን ፈረቓን ምሕኳር፡ ብፈቓቓት ናይቶም ደበናታት፡ ገጽ ናይ ሓደ ገዚፍ ከውሒ ጎፍ ይብለካ። ድሕሪ ውሑዳት ደቓይቕ ድማ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሌኻ ዘንጠጠዩ ደበናታት ክትኩየጥን ግሩም ትርኢት ምድረ-ሰማይ ይኽፈተልካን። ናብዚ ንኽትበጽሕ ዝኸፈልካዮ ዋጋ እምብኣር፡ ኣብ ላዕሊ ብእትረኽቦ ፍስሃ ዎ ሰላም ከም ዝተኻሓስካ ሻቡ ይስወጠካ።
    ስፍሓት ናይቲ ገዳም ካብቲ ኣብ ዝባን ሰይድቺ ኴንካ ብማዕዶ እትግምግሞ ብዕጽፍታት ዝዓቢ እዩ። 825 ሜትሮ ብራኸ ሓዂርካ ዝባን ምስ በጻሕካ፡ ቅርጺ-መሬት ናይቲ ከባቢ ብቕጽበት ካብ ኣሻዅን በለስ ዝዓብለሎን ናብ ብሳዕሪን ጀራዲንን ዝተኸድነ ፍጹም ሓምላይ ዱር ይቕየር።
    ቅዱስ ስፍራ ብምዃኑ መተሓዅርትኻ ጫማኦም ከውጽኡ እንተሪእኻ፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ልምዲ ናይቲ ደብሪ ብምዃኑ ኣሰሮም ክትክተል ክትግደድ ኢኻ። ኣብዚ ገዳም ዝነብሩ መነኮሳት ወይ ተማሃሮ ተቐቢሎም ናብቲ ብመናድቕ እምኒ ዝተሓጽረ ገዛውቲን ከበብቲ ቤት-ጸሎታትን ክመርሑኻ እዮም።
    ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኮይንካ በቲ ሃው ዝበለ ጸድፊ ንቝልቁል ምስ እትጥምት፡ ንምንስፋፍ (gliding) ዝዕድም ትንግርታዊ መልክዕ ትርኢት ቅርጺ-መሬት ክትዕዘብ ኢኻ። ኣጓብዝ ተቐዳዲሞም ናብቲ ዓቢ መስቀል ብምጉያይ ስእሊ ንምስናድ እንተ ተቐዳደሙ፡ ወትሩ ዘዘውትርዎ ተግባር እዩ’ሞ ከይሕድሸካ። ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዝዓበኹሉ ገዛውቲ፡ ንብሎኮ ባጽዕ ዝቐረበ ግዲ ኮይኑ፡ ካብ እዋን ጉብዝንኡ ኣትሒዙ ልዕሊ 4 ወይ 5 ግዜ ናብዚ ታሪኻዊ ገዳም ዘይተማላለሰ ጎበዝ ኣይነበረን ክብል ይደፍር።
    መነኮሳት፡ ስዋ ክሰርሑን ከአንግዱን ክትዕዘብ ኢኻ፡ ግን ኣይትገረም ኢኻ። ምኽንያቱ ሓያለ ማራኺ ልምዲታትን ትርኢታትን ኣብ ዝርከቦ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን መስሕብ ኢኻ ዘለኻ። ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት መነኮሳት ደኒኖም እግርኻ ክሓጽቡኻ እውን ክትርኢ ኢኻ። ሰማንያታት ዝተገማገሙ ነጋድያን ከይተረፉ እንተኽኢሎም ብኣጋር እንተዘይከኣሉ ድማ ብኣድገ-በቕሊ ምሳኻ ክሓዅሩ እንተርኣኻ እውን ኣይትደነቕ። ኣጓብዝ ነጋድያን ናብታ ብሸነኽ ሰሜን እትርከብ ‘ኣደይ ቅበጽኒ’ እትብሃል ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ጠልጠል ዝበለት ጉንዲ ብምቅድዳም ክስቀሉን ክሰኣሉን ክትዕዘብ ኢኻ። ሞት ቅድሚ ጽሕፍቶኻ ሓደጋ ከይትወድቀካ ትፈርሕ እንተዄንካ፡ ካብዛ ቦታ ምሕድግ ኢልካ ተዓዘብ። ዝሓኾርካዮ መገዲን፡ ዝሓደርካሉ ማእሲን እንተ ዀርኰሓካ እውን ብሕጉስን ዕጉብን ህይወት ናይቶም መነኮሳት ኣይግረምካ።
    መዓልታዊ መነባብሮ ናይቶም መነኮሳት ካብ ከባቢ እቲ ገዳም ዝምእርርዎ ውጽኢት ተፈጥሮ ምዃኑን ነዚ ተመጊቦም ብፍቕሪን ውህደትን ክነብሩን ክትዕዘብ ኢኻ። ብግዜ ለይቲ ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ዝረኣየካ ባና ናይ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ እዩ። ቀይሕ- ባሕሪ፡ ካብዚ ገዳም 80 ኪ.ሜ. ርሕቀት ኣለዎ።
    ቅዲ-ኣባይቶምን ክዳውንቶምን ምስ ተዓዘብካ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን (medieval period) ዘለኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። መናድቕ ኣባይቶምን ቤት-ጸሎቶምን ብቅብኣታት ምስሊ ቅዱሳትን ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መስቀላትን ዝተሰለመ እዩ። እንጀራኦም ጸሊምን ንቑጽን ረጒድን ኮይኑ፡ ግናኸ ኣዝዩ ምቁር እዩ። እዚ ገዳም እዚን ነበርቱን፡ ከም ስትራተጂያዊ ኣቀማምጥኡን ከም መቐጸልታ ናይቲ ንጥንታዊ እምነትናን መንነትናን ንምሕካኽ ዝተገብረ ዘመተ፡ ዕጫ መላእ ሃገርና ብተኸታተልቲ ገዛእቲን ወረርቲን ብዙሕ ሃስያ ወሪድዎን ክንደይ ሓሳረ መከራ ጸጊቡን እዩ።
    ብቱርካውያን ገዛእቲ ኣብ መበል 16 ክ.ዘ. ሰፍ ዘይብል ዕንወት ወሪዱዎ እዩ። ንግስነት ግዝኣተ-ስልጣን ኣዳል እውን ኣብ ዕንወት ናይዚ ገዳም ግደኡ ጌሩ እዩ። ዝበዝሕ ንብረት ናይዚ ገዳም ግን በቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ክህልዋ የብለንን ዝብል መርገጺ ዝነበሮ ደርጋውያን ገዛእቲ እዩ ተወሪሱ። ሓደ እዋን’ውን ብምኽንያት ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ወተሃደራዊ ነቑጣ ጌርዎ ምንባሩ ይዝንቶ።
    ሎሚ፡ እቲ እንኮ ወራሪ ናይዚ ገዳም ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሩ ዘሎ ጭፍራ ህበይ እዩ። ብዙሕ እዋን ኣዘንጊዑ ነቲ ምንጪ ቀረብ መግቢ መነኮሳት ዝኾነ ስፍራ ክወርር ይርኣይ እዩ። መብዛሕትኦም ነጋድያን ኣብ ዝስዕብ ዓመት ዓቕሞም ዝፈቐዶ ትሕዝቶ ከም ገንዘብ፡ ክዳውንቲ፡ ምንጻፍ፡ ጽላል፡ ሽምዓን ካልእን ሒዞም ናብቲ ገዳም ንኽመጹ መብጸዓ ናይ ምእታው ልምዲ ኣለዎም።
    ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ስዓት 10፡30 ቅ.ቐ. ነጋድያን ነቲ ደብሪ ሕቖኦም ብምሃብ ኣብ ትሕቲ እቲ ገዳም ናብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ነፋሲት ዝሃትፉሉ እዋን እዩ። እቲ ጸድፊ ንምውራዱ ከምቲ ምድያቡ ከቢድ ኣይኮነን። ተፈጥሮ ንምድናቕን ስእልታት ንምስናድን ብብዝሒ ካብ ምዕራፍ ዝተላዕለ፡ ኣብራኽካ እንተ ዘይጠሊሞሙኻ ነቲ ቑልቁል ምውራዱ ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ቁልቁል ምውራድ ነብሱ ዝኸኣለ ጥበብ ዝሓትት እኳ እንተኾነ ከምቲ ኣብ ምሕኳር እተጥፈኦ ግዜን ሃልኪን ዝዳረግ ግን ኣይኮነን። ንኣጓብዝ ከባቢ 40 ደቓይቕ ዝወስደሎም ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ድማ ካብ ሰዓት ክሳብ ሰዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ይወስደሎም።
    ኣብታ መዓልቲ፡ ከተማ ነፋሲት ከም ሓንቲ ዕምርቲ ናይ ንግዲ ቦታ ጽርግያታታ ጠጠው ብዝበላ ዕስለ መካይን መርኣዪ የብሉን። ነጋድያን ንምእንጋድ ክሸባሸባ ዝቐነያ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን ብዓቕመን መግብን መስተን ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣገልግሎትን ኣብ ምሃብ ተጸሚደን እየን ዘርፍዳ።
    ከምዚ ዝኣመሰለ ንግደት ወይ ፈስቲቫል ብዝግባእ ምስ ዝስርሓሉን ተፈላጥነት ንኽረክብ ምስ ዝጸዓረሉን ማዕረ እቲ ኣብ ዘቤታዊ ቱሪዝም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ኣህጉራዊ ቱሪዝም እውን ርእሱ ዝኸኣለ ዕዙዝ ተራ ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብ ነፋሲት ናብ ደብረ ቢዘን ዝወስድ መገዲ ከምቲ ዝድለ ልሙጽ ብዘይ ምዃኑ ምቹእ እኳ እንተዘይኮነ፡ እምባታት ናይ ምሕኳር ባህጊ ዘለዎምን ብሓደገኛ ኩነታት ኣየርን መገዲን ምጉዓዝ ንዝፈትዉን በጻሕቲ (adventure tourists) ግን ኣዝዩ ተበሃጊ እዩ። ሓደሽቲን ብተደጋጋሚ ናብዚ መስሕብ ዝመላለሱን ነጋድያን እውን ነቲ ኣጋጣሚ ወትሩ ምስ ተሓጎሱሉ እዮም። ኮይኑ ግን፡ ዝምልከቶም ኣካላትን ውልቃውያን ነጋዶን ነቲ መዓልቲ ዝያዳ ማዕርግ ዝውስኽ ምድላዋት ክገብሩ ከም ዝግባእ ነጋድያን ወትሩ ምስ ኣተሓሳሰቡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቀራና መንገድታት፡ ክሳብ ክንደይ ዝግመት ርሕቀት ከም ዝተረፈ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም ንኽትጥወ ዘመልክት መሐበሪ ታቤላ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት፡ እንተዝትከል ንበጻሕቲ ኣብ ምሕባር ዝህቦ ሓገዝ ከይተደረተ ነቲ ከባቢ ማዕርግ ኣብ ምውሳኽ እውን ዕዙዝ ተራ ከምዝጻወት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብወገን ውልቃውያን ነጋዶ እውን ኣብ መንጎ ቦታታት ናይቲ ኩርባ ማይን ካልእ ንጉዕዞ ሓጋዚ ዝኾነ ቀረባትን ክቕርቡ እንተዝኽእሉ ሓጋዚን ማራኺን ምኾነ።
    ዕርዲ ኢሳይያስ

  • ገዳም ደብረቢዘን

    ንምኳኑ ንገዳም ደብረ ቢዘን መን ሰሪትዎ?ታሪክ ዝሰረትዎ ኣቦ እንታይ ይመስል?
    ምንባብ ንቀጽል...
    =================
    ሎሚ ዓመታዊ በዓለ ዝኽሪ ዕረፍቱ ንጻድቅ ኣቡነ ፊልጶስ ገዳም ደብረ ቢዘን እዩ። ጻድቅ ኣቡነ ፊልጳስ ካብ ዓበይቲ ዝኾኑ መኳንንቲ ኣንከረ እዩ። ስም ኣቡኦም ይርደኣነ እግዚእ ኪኸውን ከሎ ስም ኣዲኦም ድማ ኣዴና ቅድስት መግደላዊት ይበሃሉ። ዕለተ ልደቶም ድማ 9 ጥቅምቲ 1319 ዓመተ ምህረት እዩ። ብዕለት 18 ሕዳር ሓዋርያ ፊልጶስ መዓልቲ ስለ ዝተጠመቐ ድማ ስም ክርስትንኡ ፊልጶስ ኢሎም ሰመይዎ። ጻድቅ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ትግራይ ክፍለ ሃገር ኣውራጃ ኣክሱም ተወሊዶም ኣብዚ ክፍለ ሃገር ኣብ ኣውራጃ እንድርታ ኣብ ዝርከብ ደብረ ጸራቢ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ብኢድ ኣቡነ በኪሞስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ መንኮሱ። ድሕሪ ምምንኳሶም ንኤርትራ ተሳገሩ። ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ፥( ናይ ሕጂ ዞባ ማእከል ) ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ እንዳ ተዛወሩ ቃለ ወንጌል ኣስተምሂሮም እዮም። ብድሕሪ ዚ ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ዓንሰባ 16 መነኮሳት ኣኸቲሎም መንገዶም ቀጸሉ እሞ ፥ ኣብዚ ልዕሊ ነፋሲት ዘሎ ዓቢ እምባ ኣተው። ነቲ ዓቢ እምባ ድማ ደብረ ቢዘን ተባሂሉ ንኽጽዋዕ ስም ኣውጺኦም 1360 -- 1365 ዓመተ ምህረት መስረትዎ ፥ ኣብኡ ድማ ናይ ሓድነት ማሕበር ኣቑሞም ተቐመጡ። ስለዚ ገዳም ደብረ ቢዘን ብ1360 ዓመተ ምህረት ተመስረተ ።ካብኡ ንድሓር ተካእቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ሊቃውንቲ እንዳ ኣፍረዩ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣስመሩዎ። ብድሕሪ ዚ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ከምዚ በሎም።ንኹሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ምስጢራት ከምኡ እውን 81 ቅዱሳን መጻሕፍቲ ገሊጸልካ ኣሎኹ በሎም። ብምልክት ካብ መምህር ስለ ዘይተመሃርካ ድማ """ፋድል ፊልጶስ """ ይኹን ስምካ በሎም። ፋድል ማለት ፊደል ዘይቆጸረ ዘይተማህረ ማለት እዩ። ጻድቅ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ቢዘን ብብዙሕ ጾምን ጸሎትን ተጋድሎ ድሕሪ ምቕማጦም ኣምላኽ ካብዚ ዓለም እዚ ከዕርፎም ደለየ። በዚ ምኽንያት ከኣ ክሳብ ዕለት ሞቶም ንብዙሓት ቅዱሳን ኣፍርዮም እዮም።ስምካ ዝጸውዐ ፥ ዝኽርኻ ዝገበረ ፥ ገዳምካ ዝተሳለመ ፥ ኣብ ዓመታዊ በዓልካ ማህሌት ዝቆመ ፥ ጥዋፍ ፥ ሽምዓ ፥ ዕጣን ዝሃበ ምሒረልካ ኣለኹ ዝብል ቃል ኪዳን ድማ ኣተወሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብ 5 ነሓሰ ኣብ መበል 84 ዕድሜኦም ድማ ብ 1403 ዓመተ ምህረት ብሰላም ዓረፉ። ጸሎቶምን ጸጋ በረኸቶምን ኣይፈለየና ኣሜን ኣሜን ኣሜን።
    *******
    ምንጪ ገደለ ኣቡነ ፊሊጶስ

    Read more »
  • ደብረሲና

    ሎሚ ዕለት 29/05/18 ብግእዝ ግንቦት 21/2010 ናይ ተዋህዶን ካልኦትን እምነት  ሰዓብቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ካብ ኩሉ መኣዝን ኤርትራን ወጻኢን ናብ ቅዱስ ቦታ ደብረ ሲና ክነግዱ ዝከዱሉ መዓልቲ እዩ። ንምኳኑ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ቦታ ገዳም ደብረ ሲና እንታይ ኣፍልጦ ኣለና?

    ሓጺር ታሪኽ ገዳም-ደብረሲና 
    ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ  ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ  ዝርከብ ጥንታዊ ታሪኻውን ገዳም ኢዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ(ዝስመ) ክኸውን ከሎ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ የብዕል፦
    1ይ ግንቦት 21 ፥2ይ ሰነ 21 ኢዩ፥ ብሕልፊ በዓል ማርያም ሰነ ብዓብይ ድምቕት ኢዩ ዝብዕል።ኣብዚ ክልተ ዓበይቲ በዓላት ብዙሓት ኣመንቲ ውላድ ዝሰኣናን ብናብራ ዓለም ዝተሸገሩን በብይነት ሕማም ዝሳቀዩን ናይ ሕልና ጸሎትን መብጻዓን ይገብሩ’ሞ ድልየቶም ድማ ስለ ዝፍጸመሎም ኣመንቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይበዝሑን ይውስኹን።

    ገዳም ደብረሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይኪዳን ጀሚሩ ኣምልኮ ስነ ስርዓት ዝፍጸመሉ ከምዝነበረ ዛንታ ይሕብር። በዚ መሰረት ተታሒዙ ዝመጸ ሃይማኖታዊ ልምድን ስነ ስርዓትን ስለ ዝጸንሐ ብ332ዓ.ም ግዕዝ ኣባ ሰላማ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ደበረሲና ኣትዮም ንብዙሕ ኣዋርሕ ትምህርቲ ክርስትና ብምሃብ ንዘይኣምኑ እናእመኑን እናጥመቑን እናቁረቡን ጸንሑ። ከምኡ’ውን ኣዜናን ዛዜናን ክልተ ኣሕዋት ነገሥተ ኣክሱም ናብ’ዚ ዝተጠቅሰ ገዳም ደብረሲና ተጓዒዞም ከምዝተጠምቑን ከምዝቁረቡን ኣብርሃ ወኣጽብሐ ተባሂሎም ድማ ከምዝተስምዩን ገድለ ኣብርሃ ወኣጽብሐ ይነግር።

    ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ኣዋልድ መጻሕፍቲ ከምዝትርኽዎ ብዘመነ ሄሮድስ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝወረድትሉ ግዜ ብመልኣክ ተሓቢራ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ክሳዕ ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ ኣስታት 4ተ ኣዋርሕ ከምዝተቀመጠት ንንጉስ ባዜን’ውን እዚ ነገር’ዚ ብሕልሚ ስለዝተገለጸሉ ሰራዊት ኣኸቲሎ መጺኡ ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ከምዝተባረኸን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ እዚ ቦታ’ዚዝተባረኸን ዓቢይን ስለዝኹነ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ብስመይ ታቦት ተቐሪጹዎ ክኣትዎ ኢዮ ኢላ ንንጉሥ ባዜን ከምዝነገረቶ ታሪኽ ይሕብር።

    ብድሕሪ’ዚ ብዙሓት ኣቦታት መናንያን ብፍቅሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምክንያት ብብሕትውናን ብሱባኤን ኣብኡ ንምንባር መረጹ። ደብረሲና ተባሂሉ ዝተሰመየሉ ምኽንያት ተሰዐቱ ቅዱሳን ኣቦታት ኣባ ኣረጋዊ፡ ኣባ ጰንጠሊዎን፡ ኣባገሪማ፡ኣባ ጉባ፡ ኣባ ጽሕማ፡ ኣባ ይምእታ፡ኣባ ሊቃኖስ ፡ኣባ ካሌፍ፡ ኣባ ኣፍጼ፣ ብ469ዓ.ም ብዘመን ኣልኣሚድ ወዲ ሰል ዓጅለ ካበ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣን መንጽር ደብረሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዒሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽውዕ ኮይኖም ክጽልዮ ከለው ከም’ቲ ሙሴ ኣብ ደብረሰና ዝረኣዮ ኣብ’ዛ ናይ ሕጂ ደብረሲና ዝተተኽለ ዓምዲ ብርሃን ረኣዮ። ብድሕሪ’ዚ ናብ’ቲ ዝረኣይዎ ዓምዲ ብርሃን እንተኸዱ ይስወሮም፣ ከምዚ እናበሎ ን 3-ግዜ ተደናገሮም ኣብ 3ይ ጊዜ መወዳእታ እቲ ዓምዲ ብርሃን ኣብዛ ሕጂ ዘላ በዓቲ ቤተክርስትያን ተተኺሉ ጸንሖም። ማለት መንፈሳዊ ምስጢር ብዘይፈተና ስለዘይግለጽ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገለጸትሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ሙሴ ምስ ኣምላኽ ኣብ ደብረ ሲና ቃል ን ቃል ንዝተዘራረበሉ ብምምስሳል ገዳም ሰሓት ትብሃል ዝነበረት ደብረሲና ኢሎም ሰመይዋ።

    ኣብ እግዒሮ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ክመላለሱ ከለው ከይጠፍኦም ሓሓልፎም ንዓመት ንዝኣኽል ጨርሒ እምኒ ሽዑ ዝጨርሕዎ ን መዘከርታ ዝኣክል ክሳዕ ሎሚ ህልዊ ኩይኑ ይነብር ኣሎ። ገዳም ደብረሲና ዝተመሥረተሉ ጊዜ ኣባ ዮሓኒ ብ474ዓ,ም ብዘመን ንጉስ ገብረመስቀል ወይ ካሌብ ምስ ብዙሕ ታቦታትን ምስ ብዙሓት መነኩሳትን ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ሃገርና ምስመጹ ብ 478ዓ.ም ነቲ ብ ስም ማርያም ዝመጸ ጽላት ጳጳስ ኣባ ናሆም ባዕሎም ናብዛ ሕጂ ዘላ ቤተክርስትያን ኣእትውዋ ። እዚ ዝተባህለ ገዳም ክስዕ ጥንታውነቱ ዓቂቡ ብማኅበርን ብመቅነንን ዝነብሩ መነንቲ መነኩሳት ሓቂፉ ትምህርቲ ሃይማኖት እናሃበ ኣረጋውያንእናጠወረ ሕጻናት እናዕበየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከወፊ ይርከብ ኣሎ።

    ኣብ ዓመት 2ተ ጊዜ 21 ግንቦት 21ሰኔን ክብዓል ዝተገብረሉ ምክንያት! ኣባ የሐኒ ኣብ’ዛ ሕጂ ዘላ ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅድስ ብ27 ግንቦት ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስት ድንግልማርያም ጻድቃን ሰማዕታት መላእክትን ኣኸቲላ ካብ ጸሓይ እትበርህ ኰይና ብራእይ ስለዝተገለጸትሉ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት በዓል ማርያም ክብዕል ተገይሩ። ብ 20 ሰነ ድማ ጐይታናን መደሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ 12 ሓዋርያት ቅዱስ ኣልጢፋኖስቅዱስ ቅሩባን ክሰርዕ ስለዝረኣየ 20.21 ሰነ ሕንጸተ ቢታ ቅዳሴ ቤታ ከምዝብዕል ተገይሩ።

    ብዛዕባ ሕንጸት ገዳምደብረ ሲና ቤተክርስትያን ገዳምደብረሲና መቅደሱን ቅዱሳቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንጸ መሰረት ዘይብሎ ከም ደብተር ሙሴ ብፍቃድ ኣምላክ ዝተገብረ ዓቢይ ደንጐላ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ን ኣገልግሎት ዝጥቀሙሉ ዘለው ኢዮ። ንኣገልግሎት ማኅሌት ቅኔ ን ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ 1951 ዓ,ም ዝተሓነጸ ዘመናዊ ሕንጻ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና።
    እግዚኣብሄር ንኤርትራ ይባርክ!
    ምንጪ =ታሪክ ገዳም ደብረ ሲና

    Read more »
RSS