ክንክን ኣእጋር ኣብ ግዳያት ሕማም ሽኮር
ብሕማም ሽኮር ዝተጠቓዕካ ግዳይ ምስ እትኸውን፡ ብሓያሎ ጸገማት ናይ ኣእጋር፡ ንኣብነት ቁስሊ፡ ክትሳቐ ትኽእል ኢኻ። ሓካይም ከም ዘመልክትዎ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ብመጉዳእቲ መትንታትን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ፡ ንረኽሲ ቆርበትን ካልእ ቁስልን ዝተቓልዑ ይገብሮም።
ሕማም ሽኮር ኣብ ዘለዎም ሰባት፡ ዙረት ደም ናይ ምድንጓይ ባህሪ የርኢ እዩ። በዚ እቲ ቆሲሉ ዘሎ ክፍሊ ሰብነት ቀልጢፉ ክሓዊ ኣይክእልን። ምስ ሕማም ሽኮር ዝነብሩ ሰባት፡ ግቡእ ክንክን ምስ ዘይገብሩ፡ ህዋሳዊ (sensory) ስምዒቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓተ እዩ ዝኸይድ። ኢዶም ወይ እግሮም ተጎዲኦም እንከለዉ ከይተሰምዖም ነዊሕ ክኸዱ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ረኽሲ ተጋዲዱ ትረኽቦ።
ሽኮር ኣብ ኣካላትና ንዘጋጥመና መጉዳእቲ፡ ግዜ ከይበልዐ ብቐሊሉ ንኽሓዊ ናይ ምዕንቃጽ ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ኣካላትና ብፍላይ ድማ ኣብ መሓውርና ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ከም ዘለና እዮም ሓካይም ዝመኽሩ። ሽኮር ዘለዎም ሰባት ካብዞም ዝተጠቕሱ ጸገማት ንምግልጋል፡ ከዘውትሩዎ ዘለዎም ወይ ከዘውትሩዎ ዘይብሎም ምኽርታት ስዒቦም ተዘርዚሮም ኣለዉ ክትጥቀሙሎም ይግባእ።
ከዘውትሩዎ ዘለዎም፦
=> መጠን ሽኮር ኣብ ደምካ መዓልታዊ ክትልክዖ ይግባእ። ኣብ ግዚኡ ግቡእ ሕክምናዊ ፍወሳ ትገብር ብምህላውካ፡ ነቲ ሽኮር ተቖጻጺርካዮ ከም እትርከብ ከተስተብህል የድሊ። ብግቡእ ክንክንን ኣብ ግዜኡ ፍወሳን ዝገብር ግዳይ፡ ካብቲ ክንክን ዘይገብር፡ ብረኽስን መቑሰልቲ ኣእጋርን ካልእ ክፍሊ ሰብነትን ክሳቐ ዘለዎ ተኽእሎ ዝተሓተ እዩ።
=> ኣእጋርካ መዓልታዊ ክትሓጽቦ ይግባእ። ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት መዓልታዊ ኣእጋሮም ዓይነት ፍወሳ’ዚ ናይ ክኢላታት ምክትታል ዘድልዮ ብምዃኑ ቅድሚ ክንጥቀመሉ ምፍታንና ንክኢላታት ክንውከስ ኣድላዪ ይኸውን።
=> ምኽሳዕ (obesity)፦ ምኽሳዕ ንምጉዳል ጾም
ብዝሓየለ መልክዑ ክግልገለሉ ጸኒሑ እዩ። ጾም፡ ኣብ ጸላም ከምዲ ዝርከብ ኤንዛይም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትና ብፍላይ ድማ ኣብ ሽምጥና ዝርከብ ስብሒ፡ ከምኡ’ውን ኮሌስትሮል ብቕጽበት ከም ዝቃጸል ብምግባር ንጥዕናና ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሓሞት ኣሲድ (bile acids) ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ኣገዳሲ ናይ ሓሞት ኣሲድ ንመስርሕ ሜታቦሊዝም ብምቅልጣፍ ኣብ ሰብነትና ዝርከብ ስብሒ ብቐሊሉ ናብ ጽዓት ክቕይሮ ይኽእል። ብሓገዝ ክኢላታት ሕክምና ዝካየድ ጾም፡ ብዘይ ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤን፡ ኣብ ሰብነትና ተኸዚኑ ዝርከብ ዘየድሊ ስብሒ ንምቅጻል ዝሕግዝ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ።
=> ምንፍርፋር (Epilepsy)፦ ሕማም ምንፍርፋር ኣብ ሓንጎልና ብዝርአ ምዝንባዕ እዩ ዝኽሰት። ጾም ከምዚ ዓይነት ሕማም ንዘለዎም ሰባት እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ምዃኑ እዮም ክኢላታት ዘመልክቱ።
=> ቅርጥማት ወይ ነድሪ መላግቦ (Rheumatoid Arthritis)፦ ቅርጥማት መላግቦ፡ ኣብ ተዓጻጸፍቲ መላግቦታት ነድርን ምቅጻልን ዝፈጥር ሕዱር ሕማም እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ኣካላትን ቲሹታትን’ውን ብዝለዓለ መልክዑ እዩ ዝጸልዎም። ብሓገዝ ሓካይም ዝግበር ጾም ነዚ ዓይነት ጥዕናዊ ጸገም’ዚ ኣብ ምፍዋስ ልዑል እጃም እዩ ዘለዎ።
=> ነድሪ ላልሽ (Pancreatitis)፦ ላልሽ፡ መግቢ ንምሕቃቕ ዝሕግዝ መረቕ ከምኡ’ውን ኢንሱሊን ኣብ ምፍራይን ልዑል ግደ እትጻወት ኣካል እያ። እታ ላልሽ ቀቀልጢፋ እናሻዕ ናይ ምቅጻል ባህሪ ከተርኢ እንተጀሚራ ድማ፡ ነድሪ ላልሽ ተፈጢሩ ኣሎ ማለት እዩ። ምጻም’ምበኣር እቲ ዝበለጸ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንምፍዋስ ዘገልግል ኣገባብ እዩ።
=> ናይ ፍወሳ መካኒዝም (Healing Mechanism)፦
ጾም፡ ናይ ምሕካምን ምሕዋይን ዓቕሚ ኣካላትና የሐይሎ። ኣብ ከስዐና ንዝተወሰነ ሰዓታት መግቢ ምስ ዘይህሉ፡ ኣካላትና ኣብ ክንዲ ኣብ ምሕቃቕ መግቢ፡ ኣብ ሜታቦሊዝምን ስርዓተ ምጽዋር ዓቕምን ኣብ ዝኣመሰሉ ካልእ ኣገደስቲ ንጥፈታት ንኸተኵር እዩ ዝግደድ።
=> ንጥዕና ልብን መትንን (Cardiovascular
Health)፦ ንዝተወሰነ ሰዓታት ዝካየድ ጾም፡ ዋህዮታት ሓንጎል ማለት ‘ኒውሮንስ’ ከም ዝነቓቕሑ ስለ ዝገብር፡ ኣብ ሰብነትና ዝህሉ ግሉኮስ ኣብ ምቍጽጻርን ንጥዕና ልብን መትን ኣብ ምሕላውን ልዑል ተራ እዩ ዘለዎ። እዚብዝተፈላለዩ ሕክምናዊ መጽናዕትታት ክረጋገጽ ክኢሉ እዩ።
=> ቅድምን ድሕሪን መብጣሕቲ፦ ሓካይም ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ዘድሊ ምልክታት ንምርካብ ዘካይዱዎ መርመራ ዕዉትን ንጹርን ምእንቲ ክኸውን ካብ 2 ክሳብ 8 ሰዓታት ክትጸውም ከም ዘለካ ይሓቱኻ እዮም። ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝካየደሎም ክፍሊ ኣካላትና ኣብ ዝካየድ መጥባሕቲ ብፍላይ፡ እቲ ሕሙም ቀዳምነት ዝወሃቦ ምኽሪ ክጸውም ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ። እዚ እቲ ሕሙም መደንዘዚ
ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ሳንቡእ ካብ ከስዐ ዝኾነ ትሕዝቶ ንኸይትረክብ ይኽልክል።
ብሳምናን ልብጥ ብዝበለ ማይን ክሓጽቡዎ ይምከር። ኣእጋሩ ብዝግባእ ከንቅጾ’ውን ይግባእ። ኣብ ኣእጋሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣጻብዕቱ፡ ጠሊ ከም ዘየለ ከረጋግጽ ይምከር። ነዚ ምስ ኣረጋገጸ ጥራሕ’ዩ ጫማ ክወዲ ዝኽእል።
=> ኣብ ጽሬት ኣጻብዕቲ ኣጽፋርካ ግቡእ ምክትታል ክትገብር የድሊ። ሕማም ሽኮር ዘለዎ ሰብ ኣጽፋሩ ብጥንቃቐ ክቖርጽ ይግባእ። ንምምልኻዕ (ብፍላይ ደቀንስትዮ) ዝኾነ ዝልከ ነገር ኣብ ኣጽፋርካ ክትገብር ኣይግባእን።
=> ኣእጋርካ ልዕሊ ዓቐን ከይደርቕን ከይነቅጽን ምክትታል። ኣእጋርካ ድሕሪ ምሕጻብካን ብዝግባእ ምንቃጽካን ቅብኣት እናለኸኻ ንኸይደርቕ ክትሕልዎ ይምከር።
=> ነእጋርካ ነጻነት ዝህቦ ጫማ ክትወዲ ይግባእ። ጸቢብ ወይ ተሪር ጫማ ምውዳይ ረኽሲ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣይትዘንግዕ።
=> ክብደት ኣካላትካ ንምቁጽጻር ጻዕርታት ኣካይድ። ምኽሳዕ ሓደ ካብ ጠንቅታት ሕማም ሽኮር እዩ። ክብደት ኣካላትካ ብኣገባብ ብምቁጽጻርን ብምንካይን ኣብ ደምካ ዝህሉ መጠን ሽኮር ናብ ንቡር ደረጃ ንምውራዱ ከም ዝከኣል ኣስተብህል።
ከዘውትርዎ ዘይብሎም፦
=> ብውዑይ ማይ ኣእጋርካ ክትሓጽቦ ኣይግባእን - እዚ ንስኻ ከይተረድኣካ ንቖርበትካ ከቃጽሎ ስለ ዝኽእል ክትጥንቀቕ የድሊ። ሓንሳብ ቆርበትካ እንተተቓጺሉ ድማ ናብ ዝበኣሰ ቁስሊ ከተምርሕ ትኽእል ኢኻ።
=> ጥራይ እግርኻ/ ብዘይ ጫማ ክትጐዓዝ ኣይግባእን። ብጥራሕ እግርኻ ምጕዓዝ ንዝኾነ መጉዳእቲ ዝተቓላዕካ ምዃንካ ኣስተብህል።
=> ቁስሊ ምስ ዝህልወካ ካብ ትእዛዝ ሓኪም ወጻኢ ባዕልኻ ክትሕክሞ ኣይግባእን።
ምንጪ፦ healthline/ሓዳስ ኤርትራ